Fri, 01/06/2012 - 03:47 -- yemane

ትርጉም ረሓቦት እንታይ እዩ?

ታሪኻዊ ድሕረባይታ፡ ሱር ቃል እቲ ”ረሓቦት” ዚብል ቃል፡

ቛንቋ እብራይስጢ ኰይኑ ትርጉሙን ቃሉን ድማ ምስ ቛንቋ ትግርኛ አዚዩ ተዛማዲ እዩ።

ራሕቢ፡ ርሒብ፡ ወይ ድማ ሰፊሕ ዚብል ትርጉም ከአ የስምዕ።

እዚ ቦታ እዚ ይስሓቅ ምስ ግዙኣቱ ተጓዒዙ ዚመጾ ስፍራ ምዃኑ፡

መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጾ።

ኣብዚ ረሓቦት ዚተሰምየ ቦታ ድማ ዀዓቱ እሞ አብኡ ኸአ ጽሩይ ፈልፋሊ ዓይኒ ማይ ረኽቡ።

እቲ ቦታ ድማ ንኹለን ጥሪት ይስሓቅን ንኹሎም ግዙኣቱን ዚምችእ ለምዕን፡

ሓይሎም ዚተሓደሰሉን ሰላምን ዕረፍትን ዚረኸብሉ ስፍራ ዀነሎም።

ዘፍ 26፡22 ሎሚ’ውን ቤተክርስትያን ረሓቦት፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ዚአክል፡

ምስ ኣምላኽ ዚመላለሱሉ፡ ዕረፍቲ ዚረኽቡሉ፡ መንፈሳዊ ማይ ዚሰትዩሉ፡

ጽዋዓኦም አለልዮም ብደገፍ መፈስ ቅዱስ ንጐይታ ዜገልግሉሉ ምቹእ መንፈሳዊ ባይታ አዳልያ ትዕድም አላ።

 

ሓላፍነትና
ፍሉይ ሓላፍነት ቤተክርስትያን ረሓቦት ንኤርትራውያን ምብጻሕ እዩ።

ቤተክርስትያን ረሓቦት ዞባዊት ማሕበር ኰይና አብ ከተማ ስቶክሆልም ትርከብ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብዛ ከተማ እዚአ ዚነብሩ ኤርትራውያን ንምብጻሕ ድማ ትነጥፍ። ከምኡ ድማ ምስተን ኣብ ሽወደንን ኣውሮጳን ዚርከባ ኤርትራውያን ኣብያተክርስትያናት ንምስፋሕ ወንጌል ሓቢራ ትነጥፍ። ከምኡ’ውን ነተን ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ዚርከባ ኣብያተክርስትያናት ንምሕያል ትነጥፍ።
ኣገልግሎት እዛ ቤተክርስትያን ብሓጺሩ በዚ ዚስዕብ ይጠቓለል፡

የሱስ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ኣውሮጳን ኣብ ኤርትራን።
ምስባኽ ምምሃር ምዕጣቕ ምልአኽ።

ተልእኾና
ትእዛዝ የሱስ

ትእዛዝ የሱስ ንረሓቦት ይኹን ንኹለን አብ ምሉእ ዓለም ዚርከባ አብያተክርስትያናት፡ እቲ ንደቀመዛሙርቱ ዚአዘዞ ትእዛዝ እዩ። ነቶም ብእኡ ዚአምኑ ዘበሉ ኹሎም ብዕርቅን ምሕረትን ናብ ህይወት ዘልአለም ንኺበጽሑ ብስራት ወንጌል ምንጋር እዩ።

እዚ ድማ ብስሙ፡
• ምምላስን ዕርቅን ኪትሰብኽ
• እምነት ዚመልኦ ዚተለወጠ ህይወት ኪትምህር
• ብሓሊ መንፈስ ቅዱስ ንአገልግሎት ኬተዕጥቕ
• ኣብዛ ምድሪ ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪትልእኽ

ሰረት እምነት ቤተክርስትያን ረሓቦት